[1] እምበኣር ምስ ክርስቶስ ካብ ሞት ተሢእኹም እንተድኣ ዄንኹም ኣብቲ ክርስቶስ ኣብ የማን እግዚኣብሔር ተቐሚጥዎ ዘሎ ኣብ ሰማያት ዘሎ ነገራት ድለዩ።
[2] ኣእምሮኹም ናብቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይኮነስ ናብቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ የቕልብ።
[3] ንስኻትኩም ብሞት ከም ምፍላይ ካብዚ ዓለም ተፈሊኹም ኣለኹም፤ ሕይወትኩምውን ምስ ክርስቶስ ኣብ እግዚኣብሔር ተሠዊሩ ኣሎ።
[4] እቲ ሕይወትና ዝኾነ ክርስቶስ እንትግለጽ ንስኻትኩምውን ምስኡ ብኽብሪ ኽትግለጹ ኢኹም።
[5] ስለዙይ ኣባኻትኩም ንዘሎ ምድራዊ ድልየት ቕተሉ፤ እዙይ ከዓ፦ ዝሙት ርኽሰት ፍትወት ሥጋ ክፉእ ትምኒት እቲ ኣምልኾ ጣዖት ዝኾነ ስስዐ እዩ።
[6] ብሰንኪ እዝ ነገራት እዙይ ቊጥዓ እግዚኣብሔር ኣብቶም ዘይእዘዙ ኽወርድ እዩ።
[7] ንስኻትኩምውን ቀደም ነዝ ነገራት እዙይ እናገበርኩም ትነብሩ ኔርኩም።
[8] ሕዚ ግና ንስኻትኩም ንደት ቊጥዓ ክፍኣት ጸርፊ ካባኻትኩም ኣርሕቑ፤ ዘጸይፍ ዘረባውን ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ።
[9] -
[10] ከምኡውን ነቲ ኣረጊት ሰብነት ምስ ኲሉ ግብሩ ቐንጢጥኩም ነቲ ንፈጣሪኡ ምእንቲ ኽመስል ብፍልጠት ዝሕደስ ዘሎ ሓድሽ ሰብነት ስለ ዝለበስኩም ንስንሳትኩም ኣይትተሓሳሰዉ።
[11] ክርስቶስ ኲሉን ኣብ ኲሉን እዩ እምበር ኣብኡስ ግሪካውን ኣይሁዳውን ግሩዝን ዘይግሩዝን ዝሠልጠነ ኣረማውን ዘይሠልጠነ ኣረማውን ጨዋን ባርያን ዝብል ኣፈላላይ የለን።
[12] እምበኣር ኣምላኽ ዝሓረዮም ቅዱሳንን ፍቑራትን ሕዝቢ ከም ምዃንኩም ምሕረት ለውሃት ትሕትና ሕያዋይነት ትዕግሥቲ ልበሱ።
[13] ንስንሳትኩም ተኸኣኣሉ፤ ኣብ መንጎኹም ቅር ዘብል ነገር እንተሊዩ ይቕረ ተበሃሃሉ። ከምቲ ጐይታ ይቕረ ዝበለልኩም ይቕረ ተበሃሃሉ።
[14] ኣብ ልዕሊ እዝ ዂሉ ንዂሉ ኣሲራ ናብ ፍጹም ሓድነት እተብጽሕ እያሞ ንፍቕሪ ልበስዋ።
[15] ናይ ሓደ ሰብነት ኣካላት ኴንኩም ንሰላም ተጸዊዕኹም ኢኹም እሞ ሰላም ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ይንገሥ፤ ኣመስገንቲውን ኩኑ።
[16] ቃል ክርስቶስ ብምልኣት ይኅደርኩም፤ ብዂሉ ጥበብ ንስንሳትኩም ተመሃሃሩን ተመዓዓዱን፤ መዝሙርን ቅኔን መንፈሳዊ ዜማን ብዘመስግን ልቢ ንእግዚኣብሔር ዘምሩ።
[17] ብቓል ኮነ ወይ ብግብሪ እትገብርዎ ዂሉ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ግበርዎ፤ ብእኡ ኸዓ ንእግዚኣብሔር ኣብ ኣመስግንዎ።
[18] ኣትን ኣንስቲ ንእግዚኣብሔር ደስ ብዘብል መንገዲ ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም።
[19] ኣቱም ሰብኡትውን ነንስትኹም ኣፍቅርወን፤ ኣይትጨክኑለንውን።
[20] ኣቱም ውሉድ ንእግዚኣብሔር የሐጕስ እዩሞ ንወለድኹም ብዂሉ ተኣዘዝዎም።
[21] ኣቱም ወለዲውን ተስፋ ምእንቲ ኸይቖርጹ ንደቕኹም ኣይተቖጥዕዎም።
[22] ኣቱም መገልገልቲውን ነቶም ብሥጋ ጐይቶትኩም ዝኾኑ ንገጽ ርአ ንሰብ ባህ ከም እተብሉ ጌርኩም ዘይኮነስ ብቕኑዕ ልቢ ንእግዚኣብሔር እናፈራሕኹም ብዂሉ ተኣዘዝዎም።
[23] -
[24] ነቲ ርስቲ ካብ ጐይታ ኸም ዓስቢ ኸም እትገብርዎ ፈሊጥኩም እትገብርዎ ዂሉ ንሰብ ዘይኮነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም ካብ ልቢ ግበርዎ። እቲ እተገልግልዎ ጐይታ ክርስቶስ እዩሞ።
[25] እቲ ኽፉእ ዝገበረ ክንዲ እቲ ኽፉእ ግብሩ ኽፍደ እዩ፤ ኣብ እግዚኣብሔር ኣድልዎ የለንሞ።