Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 3:16

[1] ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔርን ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሕያዋንን ኣብ ሙታንን ክፈርድ ዘለዎ ኢየሱስ ክርስቶስን ብመንግሥቱን ብምጽኣቱን ኣማኅፅነካ ኣለኹ።

[2] ነቲ ቓል ስበኽ፤ ብምችዊ እዋንን ኣብ ዘይምችዊ እዋንን ድልዊ ኹን፤ ኣረድእ፤ ገሥጽ፤ ምኸር፤ ብዓብዪ ትዕግሥቲ ብምምሃር ትጋህ።

[3] ነቲ ኣእዛኖም ክሰምዖ ዝህንጠዮ ነገር ዝነግርዎም መምህራን ክእክቡ እምበር ነቲ ሓቂ ዝኾነ ትምህርቲ ንምስማዕ ዘይደልዩሉ ዘመን ክመጽእ እዩሞ።

[4] ሓቂ ኸይሰምዕውን ኣእዛኖም ዓጽዮም ናብ ተረት ከዘምብሉ እዮም።

[5] ንስኻ ግና ዂልሻዕ ጥንቁቕ ኩን፤ ብጊዜ መከራ ጽናዕ፤ ግብሪ ወንጌላዊ ግበር፤ ኣገልግሎትካ ፈጽም።

[6] ኣነስ ድሮ ሰማእት ክኸውን ቐሪበ ኣለኹ፤ መዓልቲ ኅልፈተይ በጺሓ እያ።

[7] ሠናይ ገድሊ ተጋዲለ ጕያይ ፈጺመ ነታ እምነትውን ሓልየያ እየ።

[8] ደጊም እቲ ቕኑዕ ፈራዲ ዝኾነ ጐይታ በታ መወዳእታ መዓልቲ እቲኣ ዝህበኒ ኣኽሊል ጽድቂ ይጽበየኒ ኣሎ። እዙይውን ንበይነይ ኣይኮነን፤ ነቶም ናቱ ምምጻእ ዝጽበዩ ዂሎምውን እምበር።

[9] ጢሞቴዎስ ቀልጢፍካ ናባይ ምጻእ።

[10] ዴማስ ነዛ ዓለም እዚኣ ስለ ዝፈተዋ ኃዲጉኒ ናብ ተሰሎንቄ ኸይዱ እዩሞ። ቄርቂስ ናብ ገላትያ ቲቶውን ናብ ድልማጥያ ኸይዶም እዮም።

[11] ሉቃስ በይኑ እዩ ምሳይ ዘሎ። ማርቆስ ንኣገልግሎት ስለ ዝጠቕመኒ ኽትመጽእ እንተለኻ ምሳኻ ተማልኣዮ።

[12] ንቲኪቆስ ግና ናብ ኤፌሶን ሰዲደዮ ኣለኹ።

[13] ክትመጽእ እንተለኻ እቲ ኣብ ጢሮኣዳ ምስ ካርፑስ ዝኃደግክዎ ካባን እቲ መጻሕፍትን ብፍላይ እቲ ብራናታት ተማልአለይ።

[14] እቲ ኣንጠረኛ እስክንድሮስ ብዙኅ ጕድኣት ኣብጺሑለይ እዩ። እግዚኣብሔር ከምታ ግብሩ ይፍደዮ።

[15] ንሱ ነቲ መልእኽትና ብዙኅ ይፃረሮ እዩ እሞ ንስኻ ድማ ካብኡ ተጠንቀቕ።

[16] መጀመርታ ጊዜ ናይ እተኸሰስኩሉ መልሲ ኸቕርብ እንተለኹ እግዚኣብሔር ደኣ ከም በደል ኣይቝጸረሎም! ኲላቶም ጠለሙኒ እምበር ሓደኳ ምሳይ ኣይነበረን።

[17] ግና እቲ ወንጌል ብምልኣት ብኣይ ምእንቲ ኽስበኽ ኲሎም ኣሕዛብውን ምእንቲ ኽሰምዕዎ ጐይታ ምሳይ ኮይኑ ኣበርትዐኒ፤ ካብ ኣፍ ኣንበሳውን ኣናገፈኒ።

[18] እግዚኣብሔር ካብ ኲሉ ኽፉእ ግብሪ ኸናግፈኒ፤ ኃልዩ ኸዓ ናብታ ሰማያዊት መንግሥቱ ኸብቅዐኒ እዩ። ንእኡ ካብ ዘለዓለም ክሳዕ ዘለዓለም ክብሪ ይኹኖ! ኣሜን።

[19] ንጵርስቅላን ንኣቂላን ንስድራ ሄኔሴፎሩን ሰላም በለለይ።

[20] ኣርስጦስ ኣብ ቆሮንቶስ ተሪፉ ኣሎ፤ ጥሮፊሞስ ግና ሓሚሙ ሚሊጢን ኣብ ዝብሃል ከተማ ኃዲገዮ ኣለኹ።

[21] ቕድሚ ኽረምቲ ንኽትመጽእ ዝከኣለካ ግበር። ኤውቡሎስን ጱዴስን ሊኖስን ቀላውድያን ኲሎም ኣኅዋትና ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ።

[22] ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስካ ይኹን። ጸጋ ምሳኻትኩም ይኹን። ኣሜን።

2 መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ጢሞቴዎስ — Chapters