[1] እምበኣር ጢሞቴዎስ ወደይ! በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ ጸጋ በርትዕ።
[2] ነቲ ኣብ ቅድሚ ብዙኃት መሰኻኽር ካባይ ዝሰማዕኻዮ ንኻልኦት ክምህሩ ንዝኽእሉ እሙናት ሰባት ኅድሪ ሃቦም።
[3] ከም ንፉዕ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ወታደር ኴንካ ምሳይ መከራ ተቐበል።
[4] ወታደር ኮይኑ ዘገልግል ነቲ ኣዛዚኡ ኸሐጕስ ስለ ዝደሊ ብኻልእ ጉዳያት ኣይጥለፍን።
[5] ከምኡውን እቲ ኣብ ውድድር ዝሳተፍ ከምቲ ሕጊ ገይሩ እንተ ዘይተወዳዲሩ ናይ ኣሰናፍነት ኣኽሊል ኣይረክብን እዩ።
[6] እቲ ዝፅዕር ሓረስታይ ካብቲ ዘፍረዮ ፍረ ኣቐዲሙ ኽወስድ ይግብኦ እዩ።
[7] እግዚኣብሔር ንዂሉ ምስትውዓል ክህበካ እዩሞ ነዝ ዝብሎ ዘለኹ ኣስተብህሎ።
[8] ነቲ ኻብ ዘርኢ ዳዊት ዝተወልደ ካብ ሞት ዝተሥአ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘክሮ፤ እቲ ኣነ ዝሰብኮ ወንጌልውን እዙይ እዩ።
[9] ብምኽንያት እዝ ወንጌል እዙይ ከዓ ከም ገባር ክፉእ ተኣሲረ መከራ እቕበል ኣለኹ። ቃል እግዚኣብሔር ግና ኣይእሰርን እዩ።
[10] ስለዙይ እቶም ኅሩያት ነቲ ዘለዓለማዊ ኽብሪ ዘውህብ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ ድኅነት ምእንቲ ኽረኽቡ ንዂሉ እዕገሥ ኣለኹ።
[11] እዝ ቓል እዙይ እሙን እዩ፦ ምስኡ እንተ ሞትና ምስኡ ኸዓ ብሕይወት ክንነብር ኢና።
[12] እንተ ተዓገሥና ምስኡ ኸዓ ኽንነግሥ ኢና። እንተ ኸሓድናዮ ንሱውን ክኽሕደና እዩ።
[13] እሙናት እንተዘይኮይንና ንሱ ንርእሱ ክኽሕድ ስለ ዘይኽእል እሙን ኮይኑ እዩ ዝነብር።
[14] ንዝሰምዕዎ ብዘጥፍእ ረብኃ ብዘይብሉ ቓል ከይበኣሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር እናጠንቀቕካ እዙይ ኣዘክሮም።
[15] ንቓል ሓቂ ብቕንዕና ዝምህር ዘኅፍር ዘይብሉ ዝተመስከረሉ ኣገልጋሊ ጌርካ ንባዕልኻ ንእግዚኣብሔር ክተወፊ ፀዓር።
[16] ነቲ ቑም ነገር ዘይብሉ ኸንቱ ኽትዕ ግና ካባኻ ኣርኅቆ፤ እቶም ነዙይ ዘዘውትሩ ካብ እግዚኣብሔር እናረሓቑ እዮም ዝኸዱ እሞ።
[17] ትምህርቶም ከም መንሽሮ እናሰፍሐ ዝባላዕ እዩ፤ ኣብ መንጎኦም ሄሜኔዎስን ፊሊጦስን ዝብሃሉ ይርከብዎም።
[18] ንሳቶም ካብ ሓቂ ርሒቖም ትንሣኤ ሙታን ቅድሚ ሕዚ ኾይኑ እዩ እናበሉ እምነት ብዙኃት ሰባት የናውፁ ኣለዉ።
[19] ይኹን እምበር ስም እግዚኣብሔር ዝጽውዕ ዂሉ ካብ ክፍኣት ይርኃቕ ከምኡውን እግዚኣብሔር ነቶም ናቱ ዝኾኑ ይፈልጦም እዩ ዝብል ማኅተም ዘለዎ ዘይነቓነቕ መሠረት እግዚኣብሔር ጸኒዑ ኽነብር እዩ።
[20] ኣብ ዓብዪ ገዛ ካብ ዕንፀይትን መሬትን ዝተሠርሐ ኣቕሓ እምበር ኣቕሓ ወርቅን ብሩርን ጥራሕ ኣይኮነን ዝርከብ፤ ገሊኡ ንኽብረት ገሊኡ ኽቡር ንዘይኮነ ኣገልግሎት እዩ ዝውዕል።
[21] እምበኣር ካብ ኲሉ ኽፉእ ርእሱ ዘንጽሀ ሰብ ንሱ ኣቕሓ ኽብሪ ዝተቐደሰ ንኣገልግሎት ጐይትኡ ዝጠቅም ንዂሉ ሠናይ ግብሪ ዝተዳለወ ይኸውን።
[22] ካብ ክፉእ ናይ ጕብዝና ትምኒት ህደም፤ ምስቶም ብንጹሕ ልቢ ንእግዚኣብሔር ዝጽውዕዎ ኸዓ ኣሰር ጽድቅን እምነትን ፍቕርን ሰላምን ሰዓብ።
[23] ባእሲ ኸም ዘምጽእ ፈሊጥካ ካብቲ ናይ ዕሽነትን ከንቱ ኽርክርን ረኃቕ።
[24] ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዝኾነ ምስ ኲሉ ለዋህ ንፉዕ መምህር ዕጉሥ ክኸውን ደኣ እምበር ተበኣሳይ ክኸውን ኣይግብኦን እዩ።
[25] ምናልባሽ እግዚኣብሔር ንሓቂ ምእንቲ ኽፈልጥዋ ኢሉ ንስሓ ኽኣትዉ ዕድል እንተ ሃቦም ኣይፍለጥን እዩ እሞ ንሱ ነቶም ተፃረርቲ ብህድኣት ዝእርሞም ክኸውን ኣለዎ።
[26] ንሳቶም ከዓ ካብቲ ፍቓዱ ኽገብሩ ኢሉ ኣሲርዎም ዝነበረ መፈንጠር ዲያብሎስ ኣምሊጦም ናብ ልቦም ክምለሱ እዮም።