Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 2:47

[1] ኣብተን ዳኅረዎት መዓልትታት ግና ዘጨንቕ ጊዜ ከም ዝመጽእ ፍለጥ።

[2] ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ፈተውቲ ገንዘብ ትምክሕተኛታት ትዕቢተኛታት ተጻረፍቲ ንወለዶም ዘይእዘዙ ዘየመስግኑ ቅድስና ዘይብሎም ርህራሄ ዘይብሎም

[3] ፍቕሪ ዘይብሎም ይቕረ ዘይብሉ ሓመይቲ ርእሶም ዘይቋጻጸሩ ጨካናት ሠናይ ዘይፈትዉ

[4] ከዳዓት ህዉኻት መን ከማይ በሃልቲ ካብ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ፍቅሪ ተድላ ዓለም ኣብሊጾም ዝፈትዉ

[5] ስርዓት ኣምልኾ ኣለዎም፤ ነቲ ኃይሉ ግና ይኽሕድዎ እዮም እሞ ካብዚኣቶም ረሓቕ።

[6] እዚኣቶም ናብ ገዛ ሰብ ሾሊኾም ብምእታው ነተን ኃጢኣት ዝመልአን ብዝተፈላለየ ፍትወት ዝደፋፍኣ ኣንስቲ ዝማርኹ ሰባት እዮም።

[7] እዘን ኣንስቲ እዚኣተን ዂሉ ሻዕ ዝመሃራ ናብ ፍልጠት ሓቂ ኽበጽሓ ግና ከቶ ዘይኽእላ እየን።

[8] ከምቲ ኢያኔስን ኢያንበሬስን ንሙሴ ዝተቓወምዎ እዞም ኣእምሮኦም ዝተበላሸወ ኣብ እምነቶም ጽንዓት ዘይብሎም ሰባት ድማ ከምኡ ነታ ሓቂ ይቃወምዋ ኣለዉ።

[9] ግና ከምቲ ናይ ኢያኔስን ኢያንበሬስን ዕሽነት ንዂሉ ዝተገልጸ ናይ እዚኣቶም ዕሽነት ከዓ ንዂሉ ኽግለጽ እዩ፤ ካብኡ ኃሊፎም ግና ዘስልጥዎ የብሎምን።

[10] ንስኻ ግና ትምህርተይ ኣነባብራይ ዕላማይ እምነተይ ትዕግሥተይ ፍቕረይ ጽንዓተይ

[11] ስደተይ መከራይ ኲሉ እቲ ኣብ ኣንጾኪያን ኢቆንያንን ልስጥራንን ዝበጽሐኒሞ ብትዕግሥቲ ዝተቐበልክዎ ስደት ትፈልጥ ኢኻ፤ ጐይታ ግና ካብዝ ዂሉ ኣድኃነኒ።

[12] እቶም ናይ ክርስቶስ ኢየሱስ ወገን ብምዃን ብቕድስና ኽነብሩ ዝደልዩ ዂሎም ብርግጽ መከራ ክቕበሉ እዮም።

[13] እቶም ክፉኣት ሰባትን መምሰልትን ግና እናኣስሓቱን እናሰሓቱን ናብ ዝገደደ ኽፍኣት ክበጽሑ እዮም።

[14] ንስኻ ግና በቲ ዝተምሃርካዮን ዝተረዳእኻዮን ጽናዕ። ካብ መን ከም ዝተምሃርካ ትፈልጥ ኢኻ እሞ።

[15] ካብ ሕፃንነትካ ጀሚርካ ብክርስቶስ ኢየሱስ ብምእማን ምድኃን ዝርከበሉ ትምህርቲ ኽህባኻ ዝኽእላ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ትፈልጥ ኢኻ።

[16] -

[17] እቲ ናይ እግዚኣብሔር ሰብ ፍጹም ንሠናይ ግብሪ ዂሉ ኣጸቢቑ ዝተዳለወ ምእንቲ ክኸውን ብመንፈስ እግዚኣብሔር ዝተጽሓፈ መጽሓፍ ንትምህርቲ ንተግሣጽ ንቕንዕና ብጽድቂ መንገዲ ንምምራሕ ይጠቅም እዩ።

2 መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ጢሞቴዎስ — Chapters