Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 2:53

[1] ኣገልጋሊ እግዚኣብሔርን ሓዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስን ናይቶም ኅሩያት ኣምላኽ ንእምነት ክሃንጽ ነቲ ናብ ቅድስና ዘብጽሕ ፍልጠት ሓቂ ኽሰብኽ ካብ ዝተጸውዐ ጳውሎስ።

[2] እዝ እምነት እዙይን እዝ ፍልጠት እዙይን እቲ ዘይሕሱ እግዚኣብሔር ቅድሚ ዘመናት ዘተስፈዎ ናይ ዘለዓለም ሕይወት እዩ።

[3] ጊዜኡ ምስ በጽሐ ብትእዛዝ እቲ መድኃኒና ዝኾነ እግዚኣብሔር ንኣይ ክእውጅ ብዝሃበኒ ስብከት ገይሩ ንቓሉ ገለጾ።

[4] በታ ናይ ኲላትና ዝኾነት እምነት ናይ ሓቂ ወደይ ዝኾንካ ቲቶ ካብ እግዚኣብሔር ኣብን ካብ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ምሳኻ ይኹን።

[5] ኣብ ቀርጤስ ዝሓደግኩኻ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ጌርካ ነቲ እንተይተወድአ ዝተረፈ ኽተመዓራርን በብዓዱ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ክትሸይምን ኢለ እየ።

[6] መራሕ ቤተ ክርስቲያን ነቐፋ ዘይብሉ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ ስዲ ብምዃንን ብዘይ ምእዛዝን ዘይሕመዩ ኣመንቲ ውሉድ ዘለውዎ ይኹን።

[7] መራሕ ቤተ ክርስቲያን ሥራሕ እግዚኣብሔር ክመርሕ ሕድሪ ዝተቐበለ ስለ ዝኾነ ነቐፋ ዘይብሉ ክኸውን ይግባእ፤ ከምኡውን ዘይዕበ ዘይዂሪ ዘይሰክር ዘይበኣስ ንገንዘብ ዘይጐዪ ክኸውን ኣለዎ።

[8] እኳ ደኣ ተቐባል ጋሻ ሠናይ ዝኾነ ዝፈቱ ንርእሱ ዝመልኽ ቅኑዕ ቅዱስን ብመጠን ዝነብርን ይኹን።

[9] ንሱ በቲ ቕኑዕ ትምህርቲ ምእንቲ ኽምዕድ ነቶም ዝቃወሙውን መልሲ ምሃብ ምእንቲ ክኽእል በቲ ዝተምሃሮ እሙን ዝኾነ ቓል ይጽናዕ።

[10] ብዙኃት ሰባት ብኅልፊ ኻብቶም ዝኣመኑ ኣሕዛብ ይገረዙ ዝብሉ ኣይሁድ ዘይእዙዛት ለፍለፍትን መታለልትን ኣለዉሞ።

[11] ንሳቶም ረብሓ ምእንቲ ኽረኽቡ ኢሎም ቅኑዕ ብዘይኮነ መንገዲ ኽምህርዎ ዘይግብኦም እናመሃሩ ንስድራ ዘናውጹ ኣፎም ክተትኅዞም ግቡእ እዩ።

[12] ሓደ ኻብቶም ናታቶም ነቢያት እኳ ሰብ ቀርጤስ ኲልሻዕ ሓሰውቲ ክፉኣት ኣራዊት ሃካያት ከብዳማት እዮም ይብል።

[13] -

[14] እዝ ምስክርነት እዙይ ሓቂ እዩ። ስለዙይ ትኽክለኛ እምነት ምእንቲ ኽህልዎም ናብ ተረት ኣይሁድን ናብ ትእዛዛት እቶም ንሓቂ ዝነጸጉ ሰባትን ከየዘንብሉ ኣጸቢቕካ ገሥጾም።

[15] ነቶም ንጹሃት ኲሉ ነገር ንጹህ እዩ፤ ነቶም ርኹሳትን ዘይኣምኑን ግና ኣእምሮኦምን ሕሊናኦምን ርኹስ ስለ ዝኾነ ንጹህ ዝኾነ ነገር የለን።

[16] ንእግዚኣብሔር ንፈልጦ ኢና ይብሉ፤ ብተግባሮም ግና ይኽሕድዎ፤ ዘጸይፉን ዘይእዙዛትን ሠናይ ንምሥራሕ ዘይበቕዑ ን እዮም።

1 መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ቲቶ — Chapters