[1] ነቶም ሕዝቢ ንገዛእትን ንሰብ ሥልጣንን ክግዝኡን ክእዘዙን ንሠናይ ግብሪ ዂሉ ዝተዳለዉ ክኾኑን
[2] ንሓደኳ ኽፉእ ዘይዛረቡ ዘይበኣሱን ምቕሉላትን ምስ ኲሉ ሰብ ድማ ብትሕትና ዝነብሩን ክኾኑ ኣዘኻኽሮም።
[3] ንሕናውን ቀደም ዘይነስተውዕል ዘይንእዘዝ ግጉያት ንብዙኅ ፍትወት ሥጋን ትምኒትን ዝተገዛእና ብኽፍኣትን ቅንኣትን እንነብር ብሰብ ጽሉኣት ንስንሳትናውን እንጻላእ ነበርና።
[4] ናይቲ መድኃኒና ዝኾነ እግዚኣብሔር ሕያዋይነትን ፍቕርን ምስ ተገልጸ ግና
[5] ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ዘይኮነስ ብምሕረቱ ማለት በቲ ኻልኣይ ልደት ዝህብ ብምሕጻብን ብመንፈስ ቅዱስ ብምሕዳስን ኣድኃነና።
[6] -
[7] ብጸጋኡ ጸዲቕና ብተስፋ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ወረስቲ ምእንቲ ኽንከውን ብመድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ንመንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሌና ኣብዚኁ ኣፍሰሶ።
[8] እዙይ እሙን ዘረባ እዩ። ነቶም ብእግዚኣብሔር ዝኣመኑ ሠናይ ግብሪ ንምግባር ምእንቲ ኽተግሁ ነዙይ ኣጸቢቕካ ኽተረድኦም እደሊ ኣለኹ። እዙይ ጽቡቕን ንሰብ ዝጠቅምን እዩ።
[9] ንስኻ ግና ካብ ናይ ዕሽነት ክርክርን ካብ ትውልዲ ምቝጻርን ጐይቊን ኣብ ሕጊ ሙሴ ካብ ዝለዓል ክትዕን ባእስን ረሓቕ፤ እዙይ ጥቕሚ ዘይብሉን ከንቱን እዩሞ።
[10] ነቲ ምፍልላይ ዝፈጥር ሰብ ሓደ ወይ ክልተ ጊዜ ምስ መኸርካዮ እንተኣበየ ካብኡ ረሓቕ።
[11] ከምዙይ ዝበለ ሰብ ዝተበላሸወን ኃጥእን እዩ፤ ባዕሉ ንባዕሉ ዝዀነነ ሰብ ምዃኑ ፍለጥ።
[12] ኣብ ኒቆጵልዮን ክኸርም ወሲነ ኣለኹ እሞ ንኣርጢሞን ወይ ንቲኪቆስ ምስ ለኣኽኩልካ ዝገበርካ ገይርካ ናባይ ምጻእ።
[13] ንዜናስ ፈላጥ ሕግን ንኣጵሎስን ኣብ መገሻኦም ዝኾነ ነገር ከይጐድሎም ብዝከኣለካ ኃግዞም።
[14] እቶም ናትናውን ዕለታዊ ምግቦም ባዕሎም ክሓልዩ ሠናይ ሥራሕ ክሠርሑ ደኣ ይመሃሩ እምበር ብዘይ ፍረ ኣይንበሩ።
[15] ምሳይ ዘለዉ ዂሎም ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ። ነቶም ብእምነት ዘፍቅሩና ሰላም በለልና። ጸጋ ምስ ኲልኻትኩም ይኹን።