Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 2:03

[1] ንስኻ ግና ሕይወት ዝርከቦ ቕኑዕ ትምህርቲ መሃር።

[2] ነቶም ኣረጋውያን ጥንቁቓት ክብሮም ዝሕልዉ ለባማት ብእምነትን ብፍቕርን ብትዕግሥትን ጥዑ ያት ክኾኑ መዓዶም።

[3] ነተን ኣረጋውያትውን ከምኡ ብቕድስና ዝነብራ ዘይሓምያ ዘይሰኽራ ሠናይ ዝኾነ ዂሉ ንንኡሳት ኣንስቲ ዝምህራ ክኾና መዓደን።

[4] እተን ንኡሳት ኣንስቲውን ንሰብኡተንን ንውሉደንን ከፍቅራ

[5] ርእሰን ዝመልካ ንጹሃት ስድራአን ዝከናኸና ሕያዎት ንሰብኡተን ዝእዘዛ ምእንቲ ክኾና ይምሃርአን። እዙይ ከዓ ቃል እግዚኣብሔር ምእንቲ ኸይጽረፍ እዩ።

[6] ነጓብዝውን ከምኡ ርእሶም ዝመልኩ ክኾኑ መዓዶም።

[7] -

[8] እቶም ዝቃወሙ ብዛዕባና ዝብልዎ ኽፉእ ነገር ስኢኖም ምእንቲ ኽኃፍሩስ ክትምህር እንተለኻ እሙን ብምዃን ብምስትውዓል ነቐፋ ብዘይብሉ ዘረባ ብዂሉ ሠናይ ግብሪ እናዘውተርካ ኣርኣያ ኹኖም።

[9] ነቶም መገልገልቲ ኸዓ ንጐይተቶም ብዂሉ ነገር ክእዘዙ ከሐጕስዎም እምበር ክፉእ ከይምልሱሎም መዓዶም።

[10] እቲ ናይ መድኃኒና እግዚኣብሔር ትምህርቲ ኣብ ኲሉ ቕቡል ምእንቲ ክኸውን ብዂሉ እሙናት ክኾኑ እምበር ሰረቕቲ ኸይኾኑ መዓዶም።

[11] ንዂሉ ሰብ ዘድኅን ጸጋ እግዚኣብሔር ተገሊጹ እዩሞ፤

[12] እዝ ጸጋ እዙይ ኃጢኣትን ዓለማዊ ድልየትን ኃዲግና ኣብዛ ዓለም እዚኣ ርእስና መሊኽና ብጽድቅን ብመንፈሳዊ ሕይወትን ክንነብር ይምህረና።

[13] ከምዙይ ኢልና ነቲ ብሩኽ ተስፋና ናይቲ ዓብዪ ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክብሪ ኽግለጽ ንጽበ ኣለና።

[14] ንሱ ካብ ኲሉ ኃጢኣት ሓራ ምእንቲ ኸውፅአና ንሠናይ ግብሪ ዝቐንኡ ንእኡ ዝኾንዎ ሕዝቢ ምእንቲ ኸንጽህ ንርእሱ ቤዛና ኣኅሊፉ ሃበ።

[15] እምበኣር ነዝ ነገርዙይ መሃር፤ ብምሉእ ሥልጣን ከዓ መዓድን ገሥጽን ሓደኳ ኣይንዓቕካ።

1 መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ቲቶ — Chapters