[1] ሕዚ ኸዓ ኣቱም ኣኅዋትና! ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ብዛዕባቲ ናብኡ ምእካብናን እንነግረኩም እዙይ እዩ፦
[2] ብመንፈስ ወይ ብቓል ወይ ካባና ኸም ዝተጽሓፈት መልእኽቲ ብምምሳል ጐይታ ተመሊሱ ዝመጸላ መዓልቲ በጺሓ እያ ኢልኩም ቀልጢፍኩም ኣይትደንግፁን ኣይትተሃወኹን።
[3] ኣቐዲሙ ኽሕደት እንተይመጸ እቲ ናይ ዓመፅ ሰብ ዝኾነ ናይ ጥፍኣት ሰብ እንተይተገልጸ ጐይታ ተመሊሱ ዝመጸላ መዓልቲ ኣይትመጽእን እያሞ ሓደኳ ብዝኾነ መንገዲ ኣየስሕትኩም።
[4] ንሱ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ኣምላኽ እየ ኢሉ ብምእዋጅ ኣብ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሔር ተቐሚጡ ነቲ ኣምላኽ ተብሂሉ ዝጽዋዕን ነቲ ዂሉ ዝምለኽን ክቃወም ክለዓል እዩ።
[5] ኣነ ገና ምሳኻትኩም እንተለኹ ነዙይ ከም ዝነገርኩኹምከ ኣይትዝክርዎን ዲኹም?
[6] ንሱ ኣብቲ ዝተወሰነሉ እዋን ምእንቲ ኽግለጽ እቲ ሕዚ ዝኽልክሎ እንታይ ምዃኑ ትፈልጥዎ ኢኹም።
[7] እቲ ናይ ዓመፅ ምሥጢር ድሮ እኳ ይሠርሕ ኣሎ፤ እንተኾነ እቲ ኸልኪልዎ ዘሎ ንሱ ኻብ መንገዱ ኽሳዕ ዘግልስ ኣይግለጽን እዩ።
[8] ድኅርዙይ ናይ ዓመፅ ሰብ ክግለጽ እዩ፤ ጐይታ ኢየሱስ ከዓ በቲ ኻብ ኣፉ ዝወፅእ ትንፋስ ከጥፍኦ እዩ። ብግርማ ምጽኣቱውን ክድምስሶ እዩ።
[9] ናይቲ ናይ ዓመፅ ሰብ ምምጻእ በቲ ሰይጣን ዝሠርሖ ዂሉ ብኃይልን መስሓቲ ምልክትን ዘደንቕ ነገራትን ብምግባር ክኸውን እዩ።
[10] ከምኡውን ነቶም ዝጠፍኡ ዘስሕተሉ ዂሉ ተንኰልን ክፍኣትን ኣለዎ። እቶም ዝጠፍኡ ኸዓ ነቲ ኸድኅኖም ዝኽእል ሓቂ ፈትዮም ስለ ዘይተቐበሉ እዩ።
[11] ስለዙይውን ንሓሰት ምእንቲ ኽኣምኑ እግዚኣብሔር ዘስሕት ኃይሊ ይሰደሎም።
[12] እዙይ ከዓ እቶም ንሓቂ ዘይኣምኑ ብኽፉእ ግና ዝሕጐሱ ዂሎም ምእንቲ ኽፍረዱ እዩ።
[13] ኣቱም ጐይታ ዘፍቅረኩም ኣኅዋትና! ብመንፈስ ቅዱስ ተቐዲስኩምን ነቲ ሓቂ ኣሚንኩምን ምእንቲ ኽትድኅኑ ካብ መጀመርታ ስለ ዝኃረየኩም ንሕና ብዛዕባኻትኩም ንእግዚኣብሔር ኲልሻዕ ኽነመስግኖ ግቡእና እዩ።
[14] ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክብሪ ተኻፈልቲ ምእንቲ ኽትኮኑ ኢሉ በቲ ንሕና እንሰብኮ ወንጌሉ ጸውዐኩም።
[15] እምበኣር ኣቱም ኣኅዋትና! ጸኒዕኹም ቁሙ፤ ነቲ ብቓል ኮነ ብመልእኽትና ዝመሃርናኩም ኣጽኒዕኹም ኃዝዎ።
[16] ባዕሉ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን እቲ ዘፍቀረና ብጸጋኡ ኸዓ ዘለዓለማዊ ምጽንናዕን ሠናይ ተስፋውን ዝሃበና እግዚኣብሔር ኣቦና
[17] ንልብኹም የጸናንዕ፤ ሠናይ ክትገብሩን ክትዛረቡን ከዓ የበርትዕኹም።