2 መልእኽቲ ጴጥሮስ 2
[1] ግና ሓሰውቲ ነቢያት ኣብ ማእኸል ሕዝቢ እግዚኣብሔር ተሢኦም ከም ዝነበሩ ኣብ ማእኸልኩምውን ሓሰውቲ መምህራን ክትሥኡ እዮም። ንሳቶም ብኅቡእ ጥፍኣት ዘስዕብ መናፍቕነት ከምጽኡ እዮም። ነቲ ዝተቤዘዎም ጐይታ ብምኽሓድውን ኣብ ባዕልቶም ቅልጡፍ ጥፍኣት ከምጽኡ እዮም።
[2] ብዙኃት ድማ በቲ መንገዲ ርኽሰቶም ክስዕብዎም እዮም። ብሰንኮም እታ መንገዲ ሓቂ ኽትጽረፍ እያ።
[3] ንሳቶም ስሱዓት ስለ ዝኾኑ ብዘረባ እናጠበሩ መናገዲ ኽገብሩኹም እዮም። ካብ ቀደም ፍርዶም ተዳልዩ እዩ፤ ጥፍኣትውን ብርግጽ ይጽበዮም ኣሎ።
[4] እግዚኣብሔር ነቶም ኃጢኣት ዝገበሩ መላእኽቲ ኣብ ጸልማት ጕድጓድ ፍርዶም ክጽበዩ ናብ ገሃነም ደርበዮም እምበር ኣይራህርሀሎምን።
[5] ነታ ቐዳመይቲ ዓለምውን ኣይራህረሀላን፤ ነቲ ሰባኽ ጽድቂ ዝነበረ ኖኅ ግና ሻምናይ ርእሱ ጥራሕ ኣድኂኑ ነቲ ናይ ኃጥኣን ቀዳማይ ዓለም ከዓ ራህሪሁ እንተይመሓረ ኣብቶም ኃጥኣን ማይ ኣይሂ ኣውረደ እምበር።
[6] ነቶም ፍርኃት እግዚኣብሔር ዘይብሎም መርኣያ መቕጻዕቲ ምእንቲ ክኾና ንሰዶምን ገሞራን ሓመዂሽቲ ኽሳዕ ዝኾና ኽቃጸላ ፈረደን።
[7] ነቲ ብኣበሳኦምን ብርኹስ ተግባሮምን ዘስካሕኽሕ ዝነበረ ጻድቅ ሎጥ ግና ኣድኃኖ።
[8] እቲ ጻድቕ ሰብ ኣብ ማእኸሎም ክነብር እንተሎ በብመዓልቱ በቲ ዝርእዮን ዝሰምዖን ዝነበረ ግብሪ ዓመፃኦም እታ ጻድቕ ነፍሱ ትጭነቕ ነበረት።
[9] ጐይታ ኸዓ ነቶም ዝፈርኅዎ ካብ ፈተና ኸመይ ገይሩ ኸም ዘድኅኖም ንገበርቲ ዓመፃ ድማ እናቐጽዐ ኸመይ ገይሩ ኽሳዕ መዓልቲ ፍርዲ ኸም ዘጽንሖም ይፈልጥ እዩ።
[10] ብኅልፊ እኳ ደድኅሪ እቲ ርኹስ ዝኾነ ሥጋዊ ፍትወቶም ንዝስዕቡ ንሥልጣን እግዚኣብሔርውን ዝንዕቑ ንፍርዲ ኸጽንሖም እዩ። እቶም ሓሰውቲ መምህራን ደፋራትን ትዕቢተኛታትን ስለ ዝኾኑ ነቶም ናይ ሰማይ ሥልጣናት እንትጻረፉ ኣይፈርሑን።
[11] መላእኽቲ ብኃይልን ብሥልጣንን ካብኣቶም ዝበልጹ እንትኾኑ እኳ ኣብ ቅድሚ ጐይታ ነቶም ናይ ሰማይ ሥልጣናት ጸርፊ ዘለዎ ኽሲ ኣየቕርቡን እዮም።
[12] እዚኣቶም ከምታ ተኣሲራ እትሕረድ ኣእምሮ ዘይብላ እንስሳ እዮም ዝመስሉ። ነቲ ዘይፈልጥዎ እናጸረፉ ኸምታ እንስሳ ኽጠፍኡ እዮም።
[13] ዓስቢ ዓመፃኦምውን ክቕበሉ እዮም። ንኣኣቶም ሓጐስ ብቐትሩ ምዕባድ ማለት እዩ። ነውራማትን ርኹሳትን እዮም። ንኽጥብሩኹም ኢሎም ኣብ ማእድኹም ይሳተፉ፤ በዙይውን ይሕጐሱ።
[14] ዝሙት ዝመልኣ ኻብ ኃጢኣት ከዓ ዘየቋርጻ ኣዕይንቲ ኣለዋኦም፤ ነተን ብእምነት ዘይጸንዓ ነፍሳት ይሓብልወን፤ ስስዐ ዝለመደ ልቢ ኣለዎም፤ ደቂ መርገም እዮም።
[15] ነታ ቕንዕቲ መንገዲ ኃዲጎም ተጋገዩ፤ መንገዲ እቲ ዓስቢ ዓመፃ ዝፈተወ በለኣም ወዲ ባሶር ሰዓቡ።
[16] እንተኾነ ሕጊ ብምፍራሱ ተግሣጽ ተቐበለ፤ ምዝራብ ዘይትኽእል ኣድጊ ብድምፂ ሰብ ተዛሪባ ንዕብዳን እቲ ነቢይ ዓገተቶ።
[17] እዞም ሰባት እዚኣቶም ዝነጸፈ ዓይኒ ማይን ንፋስ ዝዂብኲቦ ግመን እዮም፤ ንኣኣቶም ግብ ዝበለ ጸልማት ዘለዓለም ይጽበዮም ኣሎ።
[18] ንሳቶም ነቶም ኣብ ስሕተት ካብ ምንባር ብቐረባ እዋን ኣምሊጦም ዝወፁ በቲ ኸንቱን ትዕቢት ዝመልኦን ዘረባኦም ገይሮም ብኽፉእ ትምኒት ሥጋን ብርኽሰትን የሓባብልዎም ኣለዉ።
[19] ዝተሥዓረ ሰብ ባርያ ናይቲ ዝሠዓሮ እዩ ዝኸውን፤ ንሳቶም ግና ንባዕልቶም ናይ ክፉእ ኣመል ባሮት እንተለዉ ሓራ ኽትወፁ ኢኹም እናበሉ የተስፍውዎም።
[20] በታ ንጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምፍላጥ ካብ ርኽሰት ዓለም ዘምለጡ ሰባት ተመሊሶም ብእኣ ተጠሊፎም እንተ ደኣ ተሥዒሮም ካብ ቀዳማዮም ዳኅራዮም እዩ ዝገድድ።
[21] ንሳቶም እናፈለጥዋ ካብቲ ዝተውሃቦም ቅዱስ ትእዛዝ ንድኅሪት ካብ ዝምለሱስ ነታ መንገዲ ጽድቂ እንተ ዘይፈልጥዋ ምሐሾም ነይሩ።
[22] እዙይ ከዓ እቲ ከልቢ ናብ ትፋኡ ተመለሰ ከምኡ ኸዓ ሓሰማ ተሓጺባ ኣብ ጸብሪ ኣንገርገረት ዝብል ምስላ ሓቂ ኣብኣቶም በጽሐ።