Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 2:30

[1] ካብ መራሕ ቤተ ክርስቲያን ናብቲ ኣነ ብሓቂ ዝፈትዎ ፍቑር ጋይዮስ።

[2] ኣታ ፍቑረይ! ከምቲ መንፈሳዊ ናብራኻ ጽቡቕ ዘሎ ከምኡ ኸዓ ብዂሉ ደኃን ክትህሉን ጥዒና ኽትረክብን እጽልየልካ ኣለኹ።

[3] ንስኻ በታ ሓቂ ትነብር ከም ዘለኻ ኣኅዋት መጺኦም ስለ እታ ኣባኻ ዘላ ሓቂ ብምምስካሮም ብዙኅ ተሓጕሰ ኣለኹ።

[4] ኣነ እቶም ደቀይ በቲ ሓቂ ይነብሩ ኸም ዘለዉ ካብ ምስማዕ ዝዓቢ ሓጐስ የብለይን።

[5] ኣታ ፍቑረይ! ንሳቶም ኣጋይሽ እንተኾኑ እኳ እቲ ነቶም ኣኅዋት እትገብሮ ዘለኻ ኣገልግሎት እሙን ኴንካ ትገብሮ ኣለኻ።

[6] እዚኣቶም ኣብ ቅድሚ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ፍቕርኻ መስኪሮም ኣለዉ። ንእግዚኣብሔር ከም ዘሐጕስ ጌርካ ዘድልዮም ሂብካ ኣፋንዎም።

[7] ንሳቶም ካብቶም ኣሕዛብ ሓንቲ እኳ እንተይወሰዱ ምእንቲ ስም ክርስቶስ እዮም ዝወፁ።

[8] እምበኣር ናይ ሓቂ ኣገልግሎት ተሳተፍቲ ምእንቲ ኽንከውን ከምዚኣቶም ንዝበሉ ሰባት ክንሕግዞም ይግብአና እዩ።

[9] ኣነ ናብታ ቤተ ክርስቲያን ሓደ ነገር ጽሒፈ ነይረ፤ እቲ ሓለቓኦም ክኸውን ዝደሊ ድዮጥራፊስ ግና ሓሳብና ኣይቕበሎን።

[10] ስለዙይ ኣነ ምስ መጻእኹ ነቲ ንሱ ኽፉእ እናተዛረበ ዝጸርፈና ዘሎ ኽነግረኩም እየ። እዙይ ምእኻል ኣብይዎ ኸዓ ንሱ ባዕሉ ነቶም ኣኅዋት ኣይቕበሎምን፤ ነቶም ክቕበልዎም ዝደልዩ ኸዓ ይኽልክሎም፤ ካብ ቤተ ክርስቲያንውን የውፅኦም ኣሎ።

[11] ኣታ ፍቑረይ! ነቲ ሠናይ ደኣ እምበር ነቲ ኽፉእስ ኣይትስዓቦ። እቲ ሠናይ ዝገብር ካብ እግዚኣብሔር እዩ፤ እቲ ኽፉእ ዝገብር ግና ንእግዚኣብሔር ኣይረኣዮን።

[12] ንድሜጥሮስ ኲላቶም ይምስክሩሉ ኣለዉ፤ እታ ሓቂ ባዕላ ድማ ትምስክረሉ ኣላ። ንሕናውን ንምስክረሉ ኣለና። ምስክርነትና ሓቂ ኸም ዝኾነ ድማ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ።

[13] ብዙኅ ዝጽሕፈልካ ነይሩኒ፤ ግናኸ ብቐለምን ብብርዕን ክጽሕፈልካ ኣይደለኹን።

[14] ቀልጢፈ ኽርእየካ ተስፋ ኣለኒ፤ ሽዑ ኣፍ ንኣፍ ክንዘራረብ ኢና።

[15] ሰላም ምሳኻ ይኹን። እቶም ፈተውትኻ ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ። ነቶም ፈተውትና በብስሞም ሰላም በሎም።