About
ኣርእስታት ዜና፥ ኢራን በቲ ንኣስታት ሽዱሽተ ወርሒ ተዓጽዩ ዝጸንሐ መጻብቦ ሆርሙዝ ንግዳዊ ልውውጥ ንምክያድ ፡ ምስ ዖማን ኣብ ግዝያዊ ምርድዳእ ከም ዝበጽሐት ገሊጻ ። ኣብ ዶብ ኔፓልን ቻይናን ብዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ማይ ልዕሊ 150 ሰባት ተቐቲሎም ፡ ብዙሓት በጻሕቲ ሃገር ዝርከብዎም 500 ሰባት ድማ ጠፊኦም ኣለዉ። ብሪጣንያዊ ማቲው ብርናን ኣብ ሓምሻይ መድረኽ ቮሉታ ኣ ስጳኛ ንፈለማ እዋን ናይ ግራንድ ቱር ተዓዊቱ።