About
ትግራይ ዝሞበቆላ ኢትዮጵያዊት አሜሪካዊት ሜላት ኪሮስ ፈላመይቲ ጄንዚ ጓልኣንስተይቲ ኣባል ኮንግረስ አሜርካ ኰይና። ብተመሳሳሊ መገዲ ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ ጆ ንጉሰ ውን ደጊሙ ኣብ ኮሎራዶ ተዓዊቱ። ሶማሊያዊት ኣሜሪካዊት ኢልሃን ዑመር'ውን ልዕሊ 76% ብምርካብ ኣብ ሚኒሶታ.። ተዓዊታ ሂዩማን ራይትስ ዎች፤ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ናጽነት ፕረስ ዘለዎ መርገጺ ክቕይር ጸቕጢ ክገብሩ ኣህጉራዊ መሻርኽቲ ጸዊዑ። ኢትዮጵያ ሽዱሽተ ዲፕሎማሰኛታት ሱዳን ሰጒጓ ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ኣብ ዝተወደበ ፖለቲካዊ ቃልሲ ንከይሳተፍ ከም ዝወሰነ ኣፍሊጡ። ኣብ ኣሜሪካ ሓደ ኢትዮጵያዊ ኣሜሪካዊ ምስ ትግራይ ብዝተሓሓዝ ዝተኸሰሰሉ ገበን ኽሕደት ሃገር ኣሚኑ።
#sbsaudiopodcast
#sbsaudiopodcast