
08 February 2026
Democracy is under threat warns Human Rights Watch, set back to the 1980s - ዲሞክራሲ ኣብ ሓደጋ ይርከብ፣ ናብ'ቲ ኣብ 80ታት ዝነበሮ ደረጃ ተመሊሱ'ሎ - 'ህዩማን ራይትስ ዎች'
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
About
Democracy and the rules-based international order are under threat, according to the latest annual report by Human Rights Watch. There's a particular focus on the United States and what the international body describes as its erosion of human rights, but there is also a spotlight on Australia. Australia's immigration and youth detention policies are listed as 'significant failings', cited as the only Western democracy without a national human rights act. - ዲሞክራሲን ብሕግታት ዝምእዘዝ ኣህጉራዊ ስርዓትን ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ኣለዉ ክብል ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጸ ዓመታዊ ጸብጻብ 'ህዩማን ራይትስ ዎች' ኣፍሊጡ። ኣብ'ቲ ጸብጻብ ፍሉይ ኣትኩሮ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን እቲ ኣህጉራዊ ኣካል 'ምብሕጓግ ሰብኣዊ መሰላታን' ኢሉ ኣብ ዝገለጾን ክገብር'ንከሎ ኣብ ልዕሊ ኣውስትራልያ'ውን ቆላሕታ ገይሩ'ሎ። ኣውስትራልያ ትኽተሎም ፖሊሲታት ኢሚግሬሽንን ምድጓን መንእሰያትን ከም "ዝዓበዩ ድኽመታትን ውድቀታትን" ተባሂሎም ክዝርዘሩ'ንከለዉ ኣውስትራልያ ድማ ዓንቀጽ ወይ ድንጋገ ሰብኣዊ መሰላት ዘይብላ እንኮ ምዕራባዊት ሃገር ተባሂላ ተጠቒሳ።