zeno
Create a Station
Explore
Religious
Music
News
Podcasts
Bible
By Genre
By Location
By Language
Download App
Toggle Sidebar
zeno
SBS
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Daily News
Society & Culture
Tigrinya
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Website
Episodes
300
09 April 2026
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (09 ሚያዝያ 2026)
ን ሎሚ ሓሙስ 09 ሚያዝያ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ፈለማ ህዝብታት ኣቦርጂንን ቶረስ ኣይላንደርን ጥንታዊያን ወነንቲ ነዚ ሎሚ መደብና ነመሓላልፈሉ ዘለና መሬት ባህላውያን ወነንቱ ምዃኖም ኣፍልጦ ክንህብ ንፈቱ፡ በዚ ድማ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ንህዝብታት ውራንጁሪን ዋይውራን ናይ ሀገረ ኩሊንን ዝሓለፉን ዘለዉን ዓበይቲ ዓዲ ክብሪ ይህብ። ኣብዚ ኣብ መላእ ዓለም ክርስትያናት ንበዓለ ትንሳኤ ዘኽብርሉ ብፍላይ ድማ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ክጾሙ ሓግዮም ድሮ ምቕባል በዓል ትንሳኤ ይርከቡ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር ንኣመሓዳሪ ኢርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ...
53 min
09 April 2026
"ዓላማ ቤተ ክርስትያን፡ መንፈሳዊ ሓርነትን ሓቅን ክትሰብኽ ከምኡ'ውን ምህናጽ ወለዶን'ዩ።" ቃለ መሕትት ምስ ቀሲስ ማርቆስ ክፍለዝጊ ብምኽንያት በዓል ትንሳኤ
ኣብዚ ኣብ መላእ ዓለም ክርስትያናት ንበዓለ ትንሳኤ ዘኽብርሉ ብፍላይ ድማ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ክጾሙ ሓግዮም ድሮ ምቕባል በዓል ትንሳኤ ይርከቡ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር ንኣመሓዳሪ ኢርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ጊዮርጊስ መልበርን ዝኾኑ ቀሲስ ማርቆስ ክፍለዝጊ ብዛዕባ ቤተ ክርስትያኖምን ጾምን በዓለ ትንሳኤን መብርሂ ሂቦሙና ኣለዉ።
27 min
09 April 2026
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (09 ሚያዝያ 2026)
ኣርእስታት ዜና፥ ኢራን ነቲ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ እተካይዶ መጥቃዕትታት ምላሽ ንምሃብ ፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግም ከም ዝዓጸወቶ ተፈሊጡ ። ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝግበር ኲናት ንሓጺር እዋን ደው እኳ እንተ በለ ፡ ወነንቲ ተሽከርከርቲ ፡ ዋጋ ነዳዲ ንኽጎድል ንኣዋርሕ ክጽበዩ ከምዝኾኑ ተገሊጹ። ዶክተራት መጠን ክታበት ብምጉዳሉ ኣውስትራሊያ ካልእ ኣገዳሲ ወቕቲ ሰዓል ከይተዳለወት ተሪፋ ኣላ ክብሉ ኣጠንቂቖም።
9 min
08 April 2026
"ምሕደራ ቀይሕ ባሕሪ ግቡእን ሓቛፍን ክኸውን ይግባእ" ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ቫይስ ኣድሚራል (ጸብጻብ)
ሹመት ፕረዚደንት ትግራይ ጄ/ታደሰ ወረደ ንሓደ ዓመት ተናዊሑ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ምስ ኣምባሳደር ስዑዲ ዓረብ ተመያይጡ። መበል 4ይ ጉባኤ ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ሓደ መዓልቲ 3 ሰበ-ሞያ ጥዕና ከምዝተቐተሉ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ። ትካል ምግቢ ዓለም፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ስደተኛታት ዝህቦ ዝነበረ ሓገዝ መግቢ ብ60 ሚእታዊት ከምዝነከየ፡ ኣፍሊጡ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማኤል ዑመር ጉሌ ንተወሳኺ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ይሸባሸብ ኣሎ ተባሂሉ።
8 min
08 April 2026
ሓድሽ ርኽበታት ወርሒ ብጠፈርተኛታት ኣርጢሜስ ክልተ፡
ኣርተሚስ ዳግማይ ጠፈርተኛታት ሒዛ፡ ልዕሊ’ቲ ኣፖሎ 13 ዝበጽሓቶ ዝያዳ፡ ደቂ ሰብ ካብ መሬት ወጺኦም ክበጽሕዎ ዝኽእሉ ርሕቀት መዝገብ ክብረ ወሰን ሰይራ ኣብ ከባቢ ወርሒ በጺሓ ናብ መሬት ገጻ ትምለስ ኣላ። እቶም ጠፈርተኛታት ወርሒ ካብቲ ጸላም ጎድና 4000 ኪሎ ሜተር ልዕሊኣ: ርሒቖም ኵዕሶ ሰኪዔት እትመስል ምድሪ ኰይና ክትርአ ከላ ክርእዩ ኪኢሎም ኣለዉ ።
7 min
07 April 2026
ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (08 ሚያዝያ 2026)
** ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንመጻብቦ ሆርሙዝ ንምኽፋት ክውስዶ ዝሓሰቦ ስጉምቲ ዘውጽኦ ናይ ግዜ ገደብ ከናውሕ ጸዊዒት ቀሪቡ ።... ** ፈደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ፡ ናይ ልዕሊ 100 ሰባት ሞትን ንልዕሊ 50 ደቀንስትዮ ክዕመጻ ምኽንያት ዝዀነን "ብሞት ዝሕተት” ዝበሎ ዘይሕጋዊ ኣሰጋጋሪ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዘእተወ ገሊጹ... ** ኣውስትራሊያውያን ብሰንኪ ኲናት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝሰዓበ ቅልውላው ነዳዲ ናይ ኤሌክትሪክ ማካይን ንምዕዳግ ይጓየዩ ኣለዉ.:
5 min
07 April 2026
Thinking of a career change? Here are some tips and options to consider - ትሰርሕሉ ሞያ ክትቅይሩ መደብ ኣለኩም ዶ? ኣብ ግምት ከትእትውዎም ትክእሉ ገለ ምኽርን ኣማራጺታትን፡
Looking to step into a new career? You're not the only one, the stats suggest. No matter your age, background or whether English is your first language, a career change at some point is almost inevitable nowadays. In Australia, support is available to help you through the process. - ንስኻ ጥራይ ኣይኮንካን ናብ ሓድሽ ሞያ ክቕይር ዝደሊ ። ዕድመኻ ፡ ኣተዓባብያኻ ፡ናይ እንግሊዝኛ ምልከት ቋንቋኻ ይኹን ካልእ ብዘየገድስ ፡ ኣብ ሓደ እዋን ሞያኻ ምቕያር ዳርጋ...
8 min
07 April 2026
ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (07 ሚያዝያ 2026)
** ዶናልድ ትራምፕ ምስ ቅልውልው ኢራን ብዝተሓሓዝ ዳግማይ ን ኣውስትራሊያ ዒላማ ገይርዋ... ** ዋጋ ነዳዲ ኣብዝውስኸሉ ዘሎ ጠለብ ብ ኤለክትሪክ ዝሰርሓ ብሽግለታ ሰማይ ዓሪጉ... ** ገለ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ናብ ሃገሮም ከም ዘይተመልሱ ምንጭታት ቢቢሲ ኣረጋጊጾም።
5 min
06 April 2026
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (06 ሚያዝያ 2026)
ኣርእስታት ዜና፥ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ኣብቲ ናይ በዓል ትንሳኤ ሰንበት መልእኽቶም ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዚግበር ዘሎ ኲናት ኮኒኖም ። ሚኒስተር ባህሊ ኢራን ፡ ንፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ "ዘይርጉእን ዝተሓዋወሶ ፍጥረትን" ብምባል ፡ ነቲ እቲ ፕረሲደንት ዘፈራርሖ መልሲ ሂብሉ። ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት በዓል ትንሳኤ ኣብ ጽርግያታት ኣውስትራሊያ ሞት ዘስዓበ ከቢድ ሓደጋ መኻይንድሕሪ ምግጣሙ፡ ተሽከርከርቲ ኣብ መገዲ ኺጥንቀቑ መተሓሳሰቢ ይውሃብ ኣሎ ።
9 min
06 April 2026
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (06 ሚያዝያ 2026)
ን ሎሚ ሰኑይ 06 ሚያዝያ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣቶ ሰመረ ሰሎሞን፡ ብዝለዓለ ጽፍሒ ናይ ሓላፍነት ዝሰርሐን ናይ ልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ተመክሮ ኣብ ዓውዲ ሃገራውን ኣህጉራውን ልምዓት ዘለዎን ክኢላ ኤርትራዊ እዩ። ኣብ ከም ሕቡራት ሃገራትን (United Nations) ኤጀንሲ ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን (USAID)፡ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ኣህጉራውያን ትካላትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ኤርትራ ዘገልገለን እዩ። ብዛዕባ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ዝጸሓፋ መጽሓፍ “ኤርትራ፡ ቀለስቲ ሓሳባት ንሕውየት ሃገር” ምርኩስ ጌርና ዝገበርናዮ ሰፊሕ ቃለ መሕትት ቀዳማይ...
51 min